Monday , May 20 2024
President Joe Biden and German Chancellor Olaf Scholz (AP Photo/Alex Brandon)

ሾልዝ ምስ ጆ ባይደን ተራኺቡ።

ጀርመን ኣብ ጒዳይ ቅልውላው ዩክሬይን ን ተጻብኦታት ሩስያ ከም እትዂንንን ምስ ኣመሪካን ኔቶን ከም እትቐውምን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ን ጆ ባይደን ኣረጋጊጹሉ። ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ምጽግዓ ፈጢርዎ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ቻንስለር ምስ ጆ ባይደን ስፍሕ ዝበለ ዘተ ኣካዪዱ’ሎ።

“ዩክሬይን ብኸምዚ ኣገባብ ብሩስያ ምፍርራህ ክወርዳ እናረኣና ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ተጻብኦ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንጸጥታ መላእ ኣህጒር ኣውሮጳ ኣብ ሃደጋ ዘውድቕ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ” ክብል ባይደን ገሊጹሉ’ሎ።

ባይደን ብወገኑ ኣብ መንጎ ዋሺንተንን በርሊንን ዝጸንሐ ተሪር ዝምድና ከም ዘድንቕ ድሕሪ ምግላጽ ንተጻብኦታት ሩስያ ኣብ ምዕጋት ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com