Monday , May 20 2024
Eight deceased with COVID-19 at nursing home in Överkalix (photo፡ Kallestad, Gorm/NTB/TT)

ቀይድታት ምብጻሕ፡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ክለዓል እዩ ተባሂሉ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 01/10/2020 ጀሚሩ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ምብጻሕ ክጅመርን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ጸኒዑ ዝነበረ ቀይዲ ክለዓልን ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሓደስቲ ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገበት ምምሕዳር ከተማ ዮኮሞክ (Jokkmokk) ትርከበን ምምሕዳራት ኣስከርሹንድ (Askersund)፡ ቦለቢግድ (Bollebygd)፡ ቨስተርቪክ (Västervik)፡ ሉድቪካን (Ludvika) ሌክሳንድን (Leksand) ግን ነቲ ጸኒዑ ዝነበረ ናብ እንዳ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ዝኽልክል ቀይዲ ክቕጽለኦ ምዃነን ሓቢረን ኣለዋ።

ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንጅምሮ ምእንቲ፡ ኩሎም ኣቐዲምካ ክግበሩ ዘለዎም ዕማማት ክትግበሩ ይግባእ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ኣጥቂዑና ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ፍጻሜ ክድገመና ኣይንደልን ኢና ክትብል ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳያት ምምሕዳር ከተማ ኣስኪርሶንድ፡ ማርያ ስታል፡ ገሊጻ።

ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ዝኽልክል ቀይዲ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምእዋጁ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com