Monday , May 20 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ስቲፋን ሎፍቨን ሎሚ ሰዓት 21:00 ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ክህብ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎፍቨን ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 21:00 ጀሚሩ ፍሉይ መደረ ንህዝቢ ሽወደን ኣብ SVT (ቴለቬዝን ስቨቴ )ክህብ ምኻኑ ተፈሊጡ።
ሃገራት ብሰንኪ ክሮና ቫይረስ ኣብ ዓቢ ሽግር ኣብ ዝወድቃሉ ዘለዋ እዋን ኣገዳስነት ናይ ከምዚ ዝበለ መደረ ኣዝዩ ልዑል ምኻኑ ሂለና ላርሰን ካብ SVT (ቴለቬዝን ስቨቴ )ገሊጻ።

ኣልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ ንኾሎም ተኸታተልትና እዚ ኣገዳሲ መደረ ክከታተልዎን ስዒቡ ዝወሃብ መምርሕታት ክስዕብዎን እንዳተላበና ጽሟቕ እቲ መደረ ከነቅርበልኩም ምኻና ብዜና መጽሄት መልክዕ ንሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com