Monday , May 20 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ክትባት ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓራሕ ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን ክትባት ብርትዓዊ ኣገባብ ከመቓርሕ ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ እዚ ክትባት ብሓባር ምስ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብሙዃን ስትራቴጂ ብምንዳፍ ሃገራዊ መወሃሃዲ ኮሚተ ብሙቛም ክትግበር ድልየቱ ሙኻኑ ይገልጽ። ” ንዂሉ ህዝቢ ዓለም ዝኣክል ክትባት ክፈሪ ከም ዘይክእል ግምት ኣሎና” ዝበለት ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና “ኣየኖት ክፋል ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ” ኣብ ዝብል ሕቶ ምዝታይ ከድሊ ብምባል ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ።

ክሳብ ነሓሰ 1 ኣብ ዘሎ ግዜ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ቀዳማይ ቅዳሕ እዚ ክትባት ከረክብ ሙዃኑን፣ ” ክትባት ተዳልዩ ክሳብ ኣብ ምዕዳል እንበጽሕ ገና ብዙሕ ግዜ ይተርፈና ኣሎ” ዝበለ ድማ ዳይረክተር እቲ ኮሚሽን ጆሃን ካርልሰን እዩ። ካርልሰን ወሲኹ” እቲ ክትባት ኣብ ዝመጻሉ እውን ቀዳምነታትካ ምስራዕ ቀሊል ዕዮ ኣይክኸውንን እዩ፥ እንተኾነ ግና ህጻናትን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ዕድመ ዘለዉን ብዝወሓደ ተለከፍቲ ብምዃኖም ቀዳምነት ከምዘይኮነ ይገልጽ። ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ምስ ኲባንያታት መድሃኒት ስምምዓት ዝፍርም ዘሎ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ ” ሽወደን ርትዓዊ ምቕርሐ ክትባት ንምርግጋጽ ኣብ ኣህጒራዊ ክትዓት ትሳተፍ ምህላዋ ክብል ምልሲ ሂቡሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com