Monday , May 20 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሾን ን ስድራቤት ግዳያት ጎነጻዊ መጥቃዒታት ኣጸናኒዑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾንን ኣብ መላእ ሽወደን እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ጒጅለታት ገበን ኣመልኪቱ፥
ትማሊ ሓሙስ ን ህዝቢ ሽወደን መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ን ፖሊስን ዕጡቓት ሓይልታትን ሽወደን ኣኼባ ክገብረሎም
ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን እዞም ክልተ ሓይልታት ኣኽበርቲ ጸጥታ ነዚ ኣሰካፊ ምዕባለታት ንምግታእ ብኸመይ ክተሓባበሩ ዝኽእልሉ
መዳያት ክዝተየሎም ምዃኑን ኣብሪሁ’ሎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ክሪስተርሾን ብሞት ግዳያት እዞም ጎነጻት ምሕዛኑ ድሕሪ ምግላጽ ን
ቤተሰብ ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዩ። እቲ መደረ ብቐጥታ ብ ኢንተርነትን ብቴሌቪዥን ሽወደንን ተፈንዩ’ሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ
ዝሓለፈ ለይቲ ብዝተኸስተ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። ሰራዊት ሽወደን ን ፖሊስ ሽወደን ንምሕጋዝ ክዳሎ ኣለዎ
ክብል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ጸዊዑ’ሎ። “ወተሃደራዊ ሓይሊ ንፖሊስ ኣብ መጓዓዝያን ቴክኒካዊ ደገፍን ክሕግዝ ይኽእል
እዩ ኢልና ኢና ንሓስብ” ክትብል መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ማግዳሌና ኣንደርሾን ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ
ከምዚ’ሉ እእናሃለወ ሰልፊ ዲሞክራትና፡ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ተሓታቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መንግስቲ ማሕበራዊ ዴሞክራት
እዩ ኢሉ’ሎ።

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com