Tuesday , May 21 2024

ቁጽሪ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ እናወሓደ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምስፍሕፋ ለበዳ ኮሮና ከምእንደገና እናገደደ ምስ መጸ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንኽተኣታተው መምርሒታት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ባቡራት እናወሓደ ምምጽኡ፡ ኩባንያ SL ሓቢሩ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ባቡራት፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ መጠን ብዝሒ ብኣውቶቡሳት ዝሳፈሩ ሰባት፡ እናጎደለ ምምጽኡ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ከምዝፍለጥ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምስቶም ካብ ኣባላት ስድራ ቤት ወጻኢ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ  ዘይምፍጻምን ኣብ ከም ቤተ መዘክራትን ትያትራትን ዝኣመሰሉ ዕጹዋት ቦታታት ዘይምኻድን ህዝባዊ መጓዓዝያ ምጥቃም ንኽውገድ ዝብሉ መምርሒታትን ምኽርታትን ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com