Tuesday , May 21 2024

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ድጎማ ኩባንያታት ክቕጽል ምዃኑ፡ መንግስቲ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን ምስ መሻርኽቱ ዝኾና ፖለቲካውያን ዉድባት ሽወደን ብሓባር ብምዃን ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፣ ነቲ ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ኣትሒዙ ትካላት ንዝበጽሐን ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይ ዝተመደበ ሓገዝ ከምዘለዎ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ብመሰረት ምስ መሻርኽቲ ሰልፍታት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ መንግስቲ፡ ንትካላትን ካልኦት  ክፍልታት ሕብረተሰብን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝወርዶም ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይን፣ ምዉንዛፍ ካብ ምኽፋል ኣታዊ ግብርን፣ ዘጠቓልል ደገፍ ምዃኑ፣ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ተናዊሑ ዘሎ ናይ ደገፍ ማዕከን፣ በብግዚኡ ምስ ኩነታት ለበዳ ኮሮና እንዳተገምገመ ወይ ተሓዲሱ ክናዋሕ ወይ ዉን ደዉ ክብል ከምዝኽል ጸብጻባት መንግስቲ ኣረጋጊጾም ኣሎዉ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com