Monday , May 20 2024

በዓልመዚ ጥዕና ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብ ቤቶም ክዕቖቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ 70ታት ዘለዉ ሽማግለታት ብሕማም ኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ንምጒዳል ኣብ ቤቶም ክዕቈቡ ጻውዒት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ። “ኣብ ዝቐልጠፈ ከምዚ ዝበለ መልእኽቲ ከንመሓላልፍ ኢና” ክብክ ኣብ ኣገልግሎት ዜና TT ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንድ ቲግኔል ሓቢሩ’ሎ።

ብሪጣንያ ምስፍሕፋሕ ኮሮናን ንምግታእ ኣብ 70ታት ዝርከቡ ሽማግለታት ኣብ ቤቶም ክዕቈቡ ዝብል ፖሊሲ ተግባራዊ ምግባራ ድማ ተገሊጹ።፡ “እቲ ሕማም እንድሕሪ ላዕሊ ወጺኡ ብሪጣንያውያን ዝተግበርዎ ፖሊሲ ኣብ ሽወደን እውን ክጅመር ከም ዝኽእል” ዘመልከተ ቲግዬል” ብፍላይ መግቢን ካልእ ኣገዳሲ ንዋታዊ ነገራት ኣብ ምምላእ፡ምምሕዳራት ከተማ ክሰርሓ ከም ዝግባእ እውን ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com