Thursday , June 13 2024

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ዓመተ 2019 ብዙሓት ጒዳያት ምርኣዩን ምውሳኑን ተገሊጹ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝተፋነናያ ዓመት 21,958 ናይ ዕቚባ ሕቶታት ምቕባሉ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቚባ ዝመጹለን ሃገራት ሶርይ፥ ዒራቕ፥ ዑዝበኪስታንን ጆርጂያን እየን።፡ ገለ ሓቂታት ብዛዕባ ዓመተ 2019: • ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ኤጀንሲ 24,569 ናይ ዕቚባ ሕቶታት መልሲ ዝሃበ ኮይኑ 6,540 ተቐባልነት ረኾቦም ኣለዉ። እዚ ካብቲ ዝቐረበ ጠቕላላ ቊጽሪ 27 % ጥራይ እዩ።

. ናይ መጻረዪ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 288 መዓልታት እዩ ኔሩ። 902 ካብ ሓተትቲ ዕቚባ ብዘይ መሰነይታ ዝተረኽቡ ትሕቲ ዕድመ እዮም ። ብተወሳኺ 36 610 ናይ ምንዋሕ ሕቶትታ ምቅባሉ’ውን እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሊ። 19,951 ናይ ሌክቸር ጒዳያት ተሳሊጦም 18,835 ተቐብልነት ረኺቦም 332 ከኣ ተነጺጎም ኣለዉ።

ኣብ 2019, 140 867 ሓደስቲ ናይ ፍቓድ ጒዳያት 59 427 ናይ ምንዋሕ ጒዳያትን ከም ዝኣተዉ ዘመልከተ እቲ ኤጀንሲ ስራሕን ኮኔክሽንን እተን ክልተ ዝዕበያ ናይ ቢዝነስ ካተጎሪታት ምንባረን ድማ ኣመልኪቱ። ካብዚ ካተጎሪታት ብቕደም ሰዓብ 59 308 ን 44 568 ሓደስቲ ሕቶታት ምቕባሉ’ውን ገሊጹ። መጠን ሓደስቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ 80 % ናይ ኮኔክስን ጉዳያት ከኣ 56% ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። • ብዘይካዚ 91,498 ጒዳያት ዜግነት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ፍታሕ ምርካቦም ገሊጹ። 76,232 ጒዳያት ርእዩ 64,944 ምቕባሉ ኸኣ ጸብጻቡ እቕሪቡ • ብጠቕላላ እዚ በዓልመዚ ኣብዛ ዝተፋነናያ ዓመት 340,000 ጒዳያት ኣዳቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com