Monday , May 20 2024

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ስርሑ ከሰልሳል ይሕተት።

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ሽወደናውያን ኣብ ውሽጢ ቤት ኮይኖም ምስራሕ ይውስኑ። ሰብመዚ ህዝባዊ ጥዕና ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣገልግሎት ኣብ ቬቶም ዝረኽቡሉ ኣገባብ ክመዓራረ ምዃኑ ሓቢሮም። ብኮሚኒቲ ደረጃ ካብ ሕሙም ናብ ጥዑይ እቲ ሕማም ይመሓላለፍ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ በዓልመዚ ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም እዚ ብብዝሒ ይኽሰት ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።

ይዂንምበር ምንጪ እዚ መልከፍቲ ዛጊት ዘይምፍላጡ ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ። ስለዚ ድማ ኣብ መዲና ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት ኣብ ቤቶም እናሃለዉ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ኣገባብ ከመቻችኡን ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ንምግታእ እጃሞም ከበርክቱን ከም ዝግባእ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com