Monday , May 20 2024

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ጌጋ ዋጋታት ዝሓዘሉ ሕክምናዊ ቅብሊታት በጺሕዎም ተባሂሉ

ኣብ ከባቢ ኮሮኖበሪ፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከባ ናይ ጥዕና ማእከላት፡ ልዕሊ 1250 ቅብሊታት ብጌጋ ናብ ዓማዊል ከምዝሰደደ TT ሓቢሩ።

ሓፈሻዊ ሕክምናን ናይ ስኒ ሕክምናን ንዝገበሩ ሰባት፡ ዝተላእኩ ቅብሊታት፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት፡ ዋጋታት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ ከምዝተጻሕፈ ቤት ምኽሪ እቲ ከባቢ ገሊጹ።

እቶም ቅብሊታት ዝበጸሖም ዓማዊል፡ እቲ ቅኑዕ ዋጋ ጥራይ ክኸፍሉ ከምዘለዎም፡ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ዝኸፈልዎ ዝይዳ ገንዘብ ክምለሶም ምዃኑ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com