Monday , May 20 2024

ብዛዕባ ቮልቦርይ (Valborg) ሓዊ ብምንዳድ ዝካየድ ጽምብል ኣብ ሽወደን እንታይ ትፈልጡ፧

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ

ቮልቦርይ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ሸወደን ካብ ዝጽምበሉ ህዝባውያን ብዓላት ሓደ እዩ። ንኣጀማምርኡ ዝምልከት ሽወደናውያን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክህቡ ከለዉ፡ መወከሲታት ክኾኑኒ ዝፈታተሽክዎም ምንጪታት’ውን ልክዕ ከምቶም ሽወደናውያን ዝተፈላለዩ ሓበሬታ እዮም መጊቦምኒ። ኣብ ኩላቶም ዝረኸብክዎ ጥሙርን ናይ ሓባር ሓሳብ ግን ፡ ከም ምልክት ንምምጻእ ወቕቲ ጽድያ ኣብ ሽወደን ዝብል ይኸውን።

እዚ ኣብ ደገ ዓቢ መጋበርያ ሓዊ ብምውላዕ፡ ኣብ ድሮ መዓልቲ ማለት ሚያዝያ 30 ዝኻየድ ጽምብል እዚ፡ኣብ ፈለማ መዓልቲ ወርሒ ግንቦት ምስ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ካልኦት ብዓላት ስለዝጽምበል፡ ነገር ኣጋጣሚ መሊሱ ዝደምቕ ግሩም ህዝባዊ ብዓል ኮይኑ፡ሽወደናውያን ኣበየ ዘለውዎ ከባቢ መጋርያ ሓዊ ብምውላዕ ንምምጻእ ጽሓይ ብሃንቀውታ ዝጽበይሉ ናይ ደስ-ደስ መዓልቲ እዩ።

ቮልቦርይ ከመይ ጀመረ፧

ካብ ጀርመን’ዩ መጽዩ ዝብልን ምስ ሃይማኖት ካቶሊክን ዝትሓሓዙ ድሕረ ባይታ ከምዘለዎ ኣብ ሓደ-ሓደ መወከሲታት ክረክብ ኸለኹ፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ግንቦት ሓደ 700 ዓመተ ምህረት ማለት ቅድሚ 1320 ዓመት ቮልቦርይ ዝተባህላ ፈላሲት ብዝሃበቶ ቅዱስቃል መሰረት ብምግባር፡ከም ሰናይ ምንዮት ንምቕባል ወቕቲ ጽድያ ኣብ ሽወደን ዝጽምበል ብዓል ምዃኑ ድማ ይሕበር።

ቮልቦርይ ኣብ ሽወደን ጥራሕ ድዩ ዝጽምበል፧

እዚ ብዓል እዚ ብዘይካ ኣብ ሽወደን ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ይጽምበል ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ይሕብሩ።በዚ መሰረት ኣብ ሃገራት፡ ኢስቶንያ(Estland)፡ ላቲቪያ (Lettland)፡ ቸኽ-ሪፓብሊክ(Tjeckien)፡ ፊንላንድ( Finlnad) ከምኡ ድማ ጀርመን (Tyskland) ይብዓል። ካብ ጀርመን ዝመጸ ጽምብል ድዩ ፧ ዋላ ናብ ጀርመን ዝኸደ ጽምብል ድማ ንምፍላጡ ተወሳኺ ሓበሬታ ምፍታሽ የድሊ።

ዕለተ ልደት ንጉስን ጽምብል ቮልቦርይን እንታይ ኣራኸቦም፧

ኣብ ድሮ ጽምብል ብዓል ቮልቦርይ ባንዴራ ሽወደን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ብምስቃል ከም ወትሩ ብሓበን ተንበልብል እያ። እዚ ድማ ንኽብሪ እቲ ዕለተ ልደቱ ዘኽብር፡ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘይብሉ፡ከም ሃገራዊ ምልከት ሽወደን ዝርአ፡ንጉስ ሽወደን ካርል-16 ኮይኑ፡ ምስ’ዚ ህዝባዊ ብዓል ግን ዝትሓሓዝ ዋላ ሓደ ትርጒም ከምዘይብሉ ይሕበር። ንጉስ ካርል ሎሚ ሚያዝያ 30/2020 መበል 74 ዕድሚኡ ክጽምብል እዩ።

ግንቦትሓደን ሰራሕተኛታትን

ካብ 1938 ጀሚሩ ብደረጃ ዓለም ዝጽምበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ፡ጽባሕ ግንቦት ሓደ’ውን ንመበል 92 ክጽምበል እዩ።ዘይከም ካልእ እዋን ግን ብሰንኪ ዘሎ ናይ ቫይረስ ኮሮና ኲነታት፡ ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለየ መሰላቶም፡ ብሰለማዊ ሰልፍታት ካብ ምክያድ ዝቚጠቡ ይመስሉ። ብ ኣንጻሩ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና ኣብ ዓምዩቕ ወጥሪ ተሸሚሞም፡ለይትን መዓልትን ህይወት ሰብ ካብ’ዚ ለበዳዊ ሕማም ንምትራፍ ኣብ ቅልስ ይርከቡ።

ግንቦት ሓደን ህጻናትን ሽወደን

ካልእ ኣብ’ዛ መዓልቲ እዚ’ኣ ካብ ዝካየዱ ንጥፈታት ሓደ ምሻጥ ዕምበባ ብህጻናት እዩ። ”ዕምበባታት ግንቦት”(majblommar) ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ካብ 1907 በዳ ሃልበርይ (Beda Hallberg) ዝተባህለት ኣደ ብዘበገሰቶ ሓሳብ ዝጀመረ፡ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈት እዚ፡ ኣብ ፈለማ ኣብ ሽወደን ንዝርአ ዝነበረ ሓደገኛ ሕማም ዓባይ ስዓል (TB)ንምሕጋዝ ዝውዕል ገንዘብ ንምእካብ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ድሒሮም ግን ሽወደናውያን ዓባይ ስዓል ክፍውስዎን ክቆጻጸርዎን ስለዝኽኣሉ፡ መዓላ ናይቲ ዝእከብ ገንዘብ ንዝሓመሙ ወይ ዝሰንከሉ ህጻናት ከውዕልዎ ጀሚሮም። ኣብ’ዚ መዓልቲ እዚ ድማ ብድምር ክሳብ 3ሚልዮን ዕምባባታት ከምዝሽየጡ ይሕበር።

ሎሚ ዓመት ቮልቦርይ ክጽምብል ድዩ፧

እዚ ዘሎ ህልዊ ኲነታት ካብ ቡዙሕ ነገራት ዓለምና ኣብኲርዋ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ሎሚ ዓመት ድማ እዚ ብዓል ከምቲ ዝግባእ ገይሩ ከምዘይጽምበል መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ። ህዝቢ’ውን እንተኾነ ንዘሎ ኲነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ከምዘይእከብ ርዱእ እመስለኒ። ብውሕዱ 50 ሰባት ኣብ ዝእከብዎ እኳ ክጽምበል ፍቑድ እንተኾነ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ስቶክሆልም፡ዩቶበሪ ከምኡ ድማ ማልሞ ዝህልዉ ጽምብላት ግን ብኣግኡ ከምዝተሰረዙ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ንማዕከናት ዜናታት ሓቢሮም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ከተማታት ሊልዮ፡ ኡፕሶላ ከምኡ ድማ ኦረብሮ ’ውን ነዚ ጽምብል ሰሪዘንኦ ምህላወን ኤክስፕረስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ ኣሎ።ብዘይካ’ዚ ኩሎም እቶም ዝዘርዘርክዎም ጽምብላት፡ሎሚ ዓመት ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ብዘሎ ለበዳ ከምዘይጽምበሉ ርዱእ ገይርና ክንወስዶም ንኽእል።

ምንጪ፣ SVT፡Ëxpressen፡Sveriges Kung biografi


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com