Saturday , June 1 2024

ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሓንቲ ኣብ ሞንጎ ዓሰርተ ምምሕዳራት ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ናብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓሰርተ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ክብ ኢሉ ይርከብ። ብመሰረት ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ኣስታት 43% ካብ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይሕብር። ዋሕዲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘቖጥዕ ምንባሩን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 50% ክብ ክብል ተኽእሎታት ከምዘሎን ሓላፊት ማሕበር ዜቤታውያን ሰብ መዚን ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ዂሌፍተው (Skellefteå) ንጋዜጣ ዳግነዝ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ኣብ 1995፡ ካብ ዓሰርተ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን እቶም ትሽዓተ ደቂ ተባዕትዮ ነይሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ሓላፍነት 124 ደቂ ኣንስትዮን 166 ደቂ ተባዕትዮን ተመዲቦምሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com