Monday , May 20 2024

ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ፡ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምልክታት የርእዩ

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዕጽፊ ምዕባዩን ኣብ ጽድያ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ክብ ምባሉን ተመራመርቲ ኮለጅ ቴክኖሎጂ ሮያል ሓቢሮም ክብል ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ሓቢሩ።

ብመሰረት ዝገበርናዮ መርመራ ኣብ ማሕበረሰብና፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ብናህሪ ይውስኽ እዩ ዘሎ፡ እዚ ድማ ብብዝሒ መርምራታት ኮሮና ዝተረኽበ ኣይኮነን ክትብል ተመራማሪት ዘይነብ ግሩል ገሊጻ።

ተመራመርቲ ናይተን ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ሰለስተ ትካላት መጻረይ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎን ኣብቲ ረሳሕ ማይ ዝተረኽቡ መጠን ኮሮና ቫይረስ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ዝተረኽበ ብዕጽፊ ምውሳኹን ከምቲ ኣብ ጽድያ ዝነበረ መጠን ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እዚ ምልክት ካልኣይ ማዕበለ ለበዳ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር እዚ መጽናዕቲን ሓላፊ ማእከል ማይን ዴቪድ ኔልሰን ይገልጽ።

ረሳሕ ፈሳሲ፡ ንዝርገሐ እዚ ቫይረስ ኣብ ምክትታል ሓጋዚ እዩ ዝበለ ዴቪድ፡ ምውሳኽ መጠን ቫይረስ፡ መጠን ለበዳ ኣብ ሕብረተሰብ ኣመና ዛይዱ ምህላዉ ጭብጢ እዩ ኢሉ።    

እዞም ተመራመርቲ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን ተመሳሳሊ ንጹር ምልክታት ርእዮም ምንባሮምን እዚ ኣገባብ መርመራ፡ ሰሙናዊ ከም ሓፈሻዊ መዐቀኒ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑን ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com