Monday , May 20 2024

ተመሃሮ ኣብ ሳየንስ፥ ቴክኖሎጂ፥ ምህንድስናን ሕሳብን ክነፍዑ ከም ዝግባእ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሽወደን ብ ዓለም ደረጃ ተወዳዳሪት ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታት ክትስዕር እንተኾይና ተመሃሮ ኣብ
ሳየንስ፥ ቴክኖሎጂ፥ ምህንድስናን ሕሳብን ክነፍዑ ከም ዝግባእ “ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን” ኣተሓሳሲቡ።
"ምስ ካልኦት ሃገራት እንክንወዳደር ኣብ ምልከት ሕሳብ፡ ሳየንስን ቴክኖሎጂን ድሕር ኢልና ምህላውና ብኣህጒር ደረጃ እተገብሩ
መጽናዕቲታት ዝምስክርዎ እዩ” ክትብል ዳይረክተር ጀነራል እቲ ኮንፈደሬሽን ካሪን ዮንሰን ገሊጻ’ላ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መልበርን
ገዲም ተመራማሪ ብርጊድ ፍሪማን፥ ነቲ ኮንፈደሬሽን ብምውካል ፖሊሲ ትምህርቲ 11 ሃገራት ድሕሪ ምጽናዕ ሽወደን ኣብ
ትምህርቲታት ሳየንስ፥ ቴክኖሎጂ፥ ምህንድስናን ሕሳብን ዘተዂር ኣጠቓላሊ ፖሊሲ መንግስቲ ከም ዘይብላ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com