Monday , May 20 2024

ተመሃሮ ዮተበሪ መግቦም ስጋ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣድማ ኣካይዶም።

ኣማኢት ተመሃሮ ከተማ ዮተበሪ ስጋ ኣብ መኣዶም ዘይምህላዉ ብምቅዋም ክታም ኣኪቦም ተባሂሉ። ክላራ ቲዮረቲካል ዝተባህለ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዮተበሪ፣ ስጋ ካብ መኣዲ ተመሃሮ ክእለ ምውሳኑ ይዝከር። ብመሰረት ገለ ተመሃሮ እዚ ተቓውሞ ቅድሚ ውሳነ ስለምንታይ ብዛዕባዚ ርእይቶና ዘይተሓተትና ዝብል እዩ።ብዛዕባ ምብላዕ ስጋ ባዕልና ድኣ እምበር ማንም ክውሰነላ ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ቤት ትምህርቲ እዩ፥ ስለዚ ድማ ዝውሰድ ስጒምቲ ክንፈልጦ ይግባእ እዩ ክብል ሓደ ተመሃራይ ገሊጹ።

ርእሰ መምህር እቲ ቤትትምህርቲ ጄኒ ኣርፍጆርድ እዚ ውሳነ ናይ መወዳእታን ምርጫ ዘይግበረሉ ምዃኑ ኣስሚራትሉ’ላ። ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገብረ ምርጫ ከም ዘረጋገጾ ዝበዝሑ ተመሃሮ ስጋ ኣብ መኣዶም ክካተት ይደልዩ እዮም።፡ እቲ ቤትትምህርቲ ኣሕምልቲ ጥዕና ዝህብ መግቢ እዩ ብዝብል መትከል ከም ዝምራሕ ተጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com