Tuesday , May 21 2024
Former US President Donald Trump (AP Photo/Andrew Harnik)

ትራምፕ፡ ነቶም ብጥሕሰት ህንጻ ካፒቶል ዝተኣስሩ፡ ይቕረ ክገብር ከም ዝኽእል ሓቢሩ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ እንድሕር እቲ መጻኢ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ኮንግሬሽናል ህንጻ ኣብ ምጥሓስ ዝተሳተፉ ሰባት ምሕረት ክገብር ከም ዝኽእል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“እንድሕር ተወዳዲረ እሞ እንድሕር ስዒረ፡ ነዞም ሰባት ጉዳዮም ብቕንዕና ክርአ ክንገብር ኢና። እቲ ጉዳይ ምሕረት ምግባር ዝሓትት እንተኾይኑ ድማ፡ ምሕረት ክንገብረሎም ኢና ምኽንያቱ ፍትሒ ብዘይብሉ ኣገባብ እዮ ጉዳዮም ዝርአ ዘሎ” ክብል ትራምፕ ኣብ ኮንሮይ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ መደረ ኣፍሊጡ።
ደገፍቲ ናይ ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 6፡ ነቲ ህንጻ ጥሒሶሞ ከምዝኣተው ዝዝከር’ዩ። ትራምፕ ብወገኑ፡ ነቶም ናዕበኛታት ከም ዝጎስጎሰን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንኸብሎ ቀልጢፉ ብዘይምዝራቡን ብዙሕ ወቐሳ ከምዝበጽሖ ዝዝከር’ዩ።
ልዕሊ 700 ዝኾኑ ሰባት ምስቲ ኩነታት ብዝተተሓሓዙ ገበናት ከም ዝተኸሰሱ ዝዝከር’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com