Tuesday , May 21 2024
Yuan Zhiming, director of the Wuhan National Biosafety Laboratory of the Wuhan Institute of Virology (AP Photo/Mark Schiefelbein) XMAS105

ቻይና . . . ብ ዓ.ው.ጥ. ዝካየዱ ተወሰኽቲ መርመራታት፡ ኣየድልዩናን እዮም ክትብል ገሊጻ

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ብሰንኪ ሓደ፡ ኣብ ከተማ ዎሃን ዝርከብ ላባራቶሪ ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ካብ መንካዕ ብዝሓለፎ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ዝተኸስተ ለበዳ ክኸውን ከምዝኽእል ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሃገረ ቻይና፡ ነቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ተወሳኺ መርመራታት፡ ኣድላይነት የብሉን ብምባል ከምዝነጸገቶ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዓ.ው.ጥ.፡ ብዛዕባ ቀዳማይ ተርእዮ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ፡ ዝነበረ ኩነታትን ሓበሬታን ካብ ሃገረ ቻይና ድሕሪ ምሕታቱ፡ ቻይና ብወገና፡ እዚ ሕቶ፡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ እዩ ብምባል፡ ክትተሓባበር ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ገሊጻ።

መበገሲ ናይዚ ቫይረስ ንምፍላጥ፡ ዝግበር ሳይነሳዊ ምርምር፡ ንድግፎ ኢና ክብል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ማ ቻውዚ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ተርእዮ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ዎሃን፡ ቻይና፡ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱን፡ ንመላእ ዓለም ድማ፡ ኣብ  ቁጠባዊ ቅልውላው የእትይዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com