Tuesday , May 21 2024
Signs direct drivers waiting for a COVID-19 testing at a pop-up testing centre at Marsden Point, New Zealand, on Monday, Jan. 25, 2021. Health officials in New Zealand say genome tests indicate the country's most recent COVID-19 patient contracted the virus from another returning traveler just before leaving quarantine. (Tania Whyte/Northern Adivacate/NZME via AP) NZH801

ኒዊዚላንድ . . . ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ኣብ ሃገረ ኒዊዚላንድ፡ ሓንቲ ሕዱር ሕማም ዝነበራ ዓባይ ሰበይቲ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ከምዝሞተት ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ እዛ ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዝሞተት ናይ ፈለማ ሰብ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ ክብል ጋዜጣ ኒዊዚላንድ ሄራልድ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ሃገረ ኒዊዚላድ፡ ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዝሞቱ ሰባት፡ 27 ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ቅድሚ እዛ ሰበይቲ እቲ ናይ መጨረሽታ ሰብ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ የካቲት ዝሞተ ኮይኑ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ናይ መጨረሽታ ሰብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝሞተ ከም ዝነበረ፡ ጸብጻባት መዛግብቲ እታ ሃገር ይሕብሩ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሮም፡ 1.7 ሚልዮን ዝኾኑ ተቐማጦ ናይታ ዝዓበየት ከተማ፡ ኣውክላድ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይድታት ኮሮና ተቐይዶም ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብሰንኪ ሓድሽ ጅር፡ ደልታ፡ ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ እናሃደአ ይመጽእ ምህላዉ እኳ እንተተፈልጠ፡ ነበርቲ ሃገረ ኒዊዚላንድ፡ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ መጸዋዕታታትን ምኽርታትን ይወሃቦም ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com