Monday , May 20 2024
Arlanda, Sweden - June 28, 2011: Building exterior and Arlanda sign. Stockholm Arlanda International Airport is Swedens biggest international airport. This is a photo of Terminal 5, which is the the biggest terminal with international flights and three separate peers.

ናብ ግሪኽ ተወጢኖም ዝነበሩ ሰለስተ በረራታት ኣብ መወዳእታ እዋን ተሰርዞም

ትማሊ ሰንበት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ናብ ግሪኽ ተወጢኖም ዝነበሩ ሰለስተ በረራታት ኩባንያ SAS ኣብ መወዳእታ እዋን ከምተሰረዙን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ገያሾ ብኣሉታ ከምተጸልዉን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ሰዓት 4፡00 ድ.ቐ. በረራ መደብ ዝነበሮም ኣስታት 374 ገያሾ፡ ናይ መገሻ መደቦም ከምተሰረዘ ብመንገዲ ኩባንያ ሳስ ተሓቢርዎም።

ናይ ጉዕዞ ፍቃድ ንምርካብ ዝከአለና ጽዒርና፡ ክንዕወት ግና ኣይከኣልናን። ብዙሓት ገያሾ ውን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሰዓቶም ተረኺቦም ከምዝነበሩ ጋዜጣዊ ሓላፊ ኩባንያ ሳስ፡ ጆን ኢክሆፍ፡ ገሊጹ።

ሰብ መዚ ግሪክ፡ ንኩነታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ምስራዝ ናይ ቀጣታዊ ጉዕዞ ከምዝሓስብዎ ኢክሆፍ ገሊጹ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ሰብ መዚ ግሪኽ፡ ወላ’ኳ ክሳብ ዕለት 15/07/2020 ካብ ሽወደን ዝግበሩ ቀጥታዊ በረራታት እንተ ኣገደ፡ ንጉዕዞታት መንገዲ ኣየር TUI ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ተበጊሳ ናብ ሮዶስ (ግሪክ) ንኽትዓልብ ኣፍቂዱ ምንባሩ ግን ይዝከር።  

ስለምንታይ ንመንገዲ ኣየር TUI ናብ ግሪክ ንኽዓልቡ ተፈቐድዎም ዝፈለጥናዮ ምኽንያት የለን። ብዛዕባ ናይ ዝቕጽል በረራታት ብዝምልከት ግን ምስ ሰብ መዚ ግሪኽ ንዘራረብ ኣለና። እቶም ብሰንኪ ናይ በረራ መደባት  ምስራዙ ዝተሃስዩ ገያሾ ድማ ካሕሳ ክኽፈሎም እዩ ክብል ኢክሆፍ ሓቢሩ።

ቅድሚ ዕለት 15/07/2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብመንገዲ ኣየር ሳስ፡ 9 በረራታት ናብ ግሪኽ ተመዲቦም ነይሮም። ስለዚ፡ ካብ ሰብ መዚ ግሪኽ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ንስርሓሉ ዘለና ጉዳይ እዩ ክብል ኢክሆፍ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com