Monday , May 20 2024

ናብ ፊንላንድን ስሎቨክያን ተኸልኪሉ ዝጸንሐ መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ሓቢሩ

ካብ ሎሚ ዕለት 21/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ፊንላንድን ስሎቨክያን ተኸልኪሉ ዝጸንሐ መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፊንላንድ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚራ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባራ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ።

ስሎቨክያ ብወገና ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባን መርመራ ኮሮናን ክገብሩ ዝግድድ መምርሒ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባራ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣንዶራ፡ በልጂም፡ ቡልጋርያ፡ ሳይፕረስ፡ ዴኒማርክ፡ ፈረንሳ፡ ግሪኽ፡ ኣይስላንድ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ክሮኤሽያ፡ ሌሽተንስታይን፡ ሎክሰምቦርግ፡ ሞናኮ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ሳን ማሪኖ፡ ስዊዘርላንድ፡ እስፓኛ፡ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ጀርመን፡ ሃንጋሪ፡ ቫቲካንን ኣውስትርያን ምጋሽ ኣፍቂዱ ምንባሩ ይዝከር።

መምርሒ መገሻ፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ፡ ግን ከምዘለዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com