Monday , May 20 2024
A-29 Super Tucano planes are on display during hand over from Resolute Support (RS) to Afghan army at the military Airport in Kabul, Afghanistan, Thursday, Sept. 17, 2020. The Afghan acting defense minister said these Super Tucanos are part of a U.S. donation via Resolute Support. (AP Photo/Rahmat Gul) XRG108

ናይጀርያ: ዕጡቓት ንምቅላስ ዘኽእላ ነፈርቲ ኲናት ገዚኣ

ናይጀርያ: ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ጒጅለታት ንምቅላስ ብዝብል ዝገዝኣተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ነፈርቲ ምቕባላ ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዘን A-29 Super Tucano ዝዓይነተን ነፈርቲ: ናብ ከተማ ካኖ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን: ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር: በሽር ማጋሺን: ወተሃደራውያን ሓለፍቲን ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ። እዘን ነፈርቲ ነቶም ኣብ ጭውያን ግብረሽበራዊ ስራሓትን ተዋፊሮም ዝርከቡ ጒጅለታት ኣብ ምስላይን ምጥቃዕን ክዋፈራ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ’ሎ።

ናይጀርያ ካብ ኣመሪካ ደርዘን ዝኾና ነፈርቲ ክትገዝእ ጠለብ ኣቕሪባ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። እተን ዝተረፋ 6 ካልኦት ነፈርቲ ኲናት ክሳብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ናብ ናይጀርያ ክኣትዋ እየን ዝብል ትጽቢት ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ናይጀርያ ን ቦኮ ሓራም ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ግብረሽበራውያን ጒጅለታት ከም ዝንቀሳቐሱ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com