Monday , May 20 2024

ን መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና 1177 ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ሚልዮናት ክሮነር ተሰሊዑ።

ነቲ ብቁጽሪ 1177 ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ንኹለን ምምሕዳራትን ዞባታትን ዝኸውን ናይ 33.5 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ወሲኑ። እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ንኹሎም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ሕሙማን ክጠቅም ተስፋ ንገብር ትብል ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝኾነት ሊና ሃሊንግሪን።

ኣብ ሽወደን ዝርከብ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብቐሊሉ ዝርከብ ክኸውን፡ ንኹሉ ሰብ ከገልግልን ምስ ሓድሽ ተክኖሎጂ ክስዕን ብተወሳኺ ሓቢራ። ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ሓገዝ ንምዕባለ ዲጂታል ትሕተ ቕርጺ ከም ዝውዕልን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ውን ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ከም ዝስላዕ መንግስቲ ብወገኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com