Tuesday , May 21 2024

ኖርወይ፡ ሓድሽ ነዊሕ መንገዲ E39 ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ ክፉት ክኸውን እዩ

ኣብ መንጎ ክርስትያንሳንድን ማንዳልን ዝርከብ ሓድሽ ነዊሕ መንገዲ E39፡ ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ ክፉት ክኸውን እዩ ክብል ኒ ቪዬር ትማል ሰሉስ ኣፍሊጡ ክትብል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ።

እዚ ሓድሽ መንገዲ፡ ነቲ ብብዝሒ ሓደጋ ትራፊክ ዝረኣየሉ ዝነበረን ኣብ ኣድጋር ዝርከብን መላግቦ ማንዳልን ክርስትያንዳንስን ክትክእ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እዚ መንገዲ ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ህንጸት ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሕዳር ክኽፈት እዩ ክትብል ጋዜጣ ኣቬስታ ሊንደስነስ ወሲኻ ንንባብ ኣብቂዓ’ላ።

“ዕላማና ካብ ሕዳር ጀሚሮም ሰባት ኣብ ውሑስን ሓድሽን መንገዲ ክጎዓዙ ምርኣይ እዩ” ክብል ኣማኻሪ ርክባት ኒየቪዬር ኒልስ በርንት ሪንድ ን ኖርወይ ቱደይ ሓቢሩ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com