Monday , May 20 2024

ኖርወይ፥ ኣብ ቅነ ዩሮቪዥን ንሽወደን ብጸጥታዊ መዳይ ትሕግዛ

ፖሊስ ኖርወይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ንፖሊስ ሽወደን ብጸጥታ ንምሕጋዝ ናብ ደቡብ ሽወደን
ኣብ ዝርከብ ማልሞ ከም እተላእኩ ተፈሊጡ። ብሰንኪ ስግእትታት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ፥ ፖሊስ ዴንማርክ እውን ይሳተፍ ኣሎ።
ሽወደን ዓሚ ኣብዚ ውድድር ካብ እትዕወት ንደሓር፥ ሎሚ ዓመት ነዚ ዓቢ ውድድር ዘአንግድ ዘሎ ሽወደናዊ ፈነወ SVT፡
ንዩሮቪዥን ኣስታት 100 ሽሕ በጻሕቲ ናብ ማልሞ ኣትዮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል ንፖሊስ ብምጥቃስ ገሊጹ’ሎ። ፍርቂ
ፍጻመ ሰሉስን ትማል ሓሙስ ምሸት ብቐጥታ ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ናይ መወዳእታ ውድድር ድማ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣደባባይ
ማልሞ ዓረና ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
ብፍላይ እስራኤል ከም ኣባል ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ መጠን ከም ወትሩ ክትሳተፍ ምዃና ልዑል ስግኣት ጸጥታ ኣኸቲሉ’ሎ። ኣብ
ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስታት 40 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ኣህጉራዊ ተቓውሞታት
ምልዕዓሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዘሎ ስክፍታታት ክብ ክብል ጌሩ’ሎ።
ኣብዚ ዓመት ንኖርወይ ዝውክሉ ተወዳደርቲ፡ ሓሙስ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፍጻመ ክቐርቡ ምዃኖም፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ናይ
ሰንበት መዛዘሚ ጸወታ ክሰግሩ ተስፋ ኣሎ። ተላሃይቲ ኖርወይ ብወገኖም፡ ኣብ ውድድር ሽወደን ተዓዊቶም ኣለዉ ክብል ኖርወይ
ቱደይ ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com