Tuesday , May 21 2024
3-year-old Eirik Lyngstad, who has a compromised immune system, is vaccinated against COVID-19 in Oslo in August. Foto: Heiko Junge / NTB

ኖርወይ: ንኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዘለዉ ቆልዑ: ክትከትብ ምዃና ገሊጻ

መንግስቲ ኖርወይ: ንምኽርታት በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር ተኸቲሉ፤ ንኹሎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝርከቡ ኖርወጃውያን ዝኸውን ክታበት ኮሮና ኣድልዩ ምህላዉ፤ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፤ ኤርና ሶልበሪ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ኣብ ኖርወይ፤ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና፤ ማለት ጅር ማይ (My variant)፤ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ተራእዩ ከምዘሎ፤ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ጥዕና ሓቢሮም።
ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም ኣባላት ናይ ተኣፋፍቲ ክፋል ሕብረተሰ ዝኾኑ ቆልዑ፤ ኣቐድም ኣቢሎም ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ተፈቒድሎም ምንባሩ ይዝከር።
ብጀካ ኖርወይ፤ ነዞም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ክኸትባ ዘፍቀዳ ሃገራት፤ ፊንላድ፤ ደኒማርክ፤ኣየርላንድን ኣሜሪካን ዝርከበአን ብርክት ዝበላ ሃገራት ይርከባ። ሃገረ ሽወደን ግን፤ ክሳብ ሕጂ ከምዘየፍቀደት ተገሊጹ።
ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝነበረ እዋን፤ ሓሙሽተ ሰባት፤ በዚ ሓድሽ ጅር ማይ፤ ከምዝተለኽፉ ኖርወጃዊት ጋዜጣ ዳግብላደ ገሊጻ።
ሓድሽ ጅር ማይ፤ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘይብትን ባህርያት ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ ብዛዕብኡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከድልየና እዩ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com