Monday , May 20 2024
Foto: Trond Reidar Teigen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

መራሒት ሰልፊ ሊበራል ጉሪ ሜልቢ፡ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ድሕሪ ምምልካት፡ ዛጊት እቲ መንግስቲ ብዘይካ ምእጋድ ወደብ ካልእ ምንም ወስታ ኣገዳ ብዘይ ምግባሩ ነቒፋ።

ኣብ ምጅማር ወርሒ ግንቦት፡ እዚ ምእጋድ ወደብ ንመራኽብ ሩስያ ኣብ ትግባረ ከም ዝወዓለ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት እዚ እገዳ፡ መራኽብ ሩስያ ብምኽንያት እቲ ሃገረን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ኣብ ወደባት ኖርወይ ክዕሸጋ ኣይክፍቀደለንን እዩ። እንተኾነ ግና ኖርወይ፡ እዚ እገዳታታ ዘይከም እገዳታት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ን መራኸብ ገፈፍቲ ዓሳ ኣየጠቓልልን እዩ። ኣምባሳደር ዩክሬይን ያችስላቭ ያስዊክ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ምስ NTB ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዚ ሃጓፍ ሩስያ ንእተገብሮ ዘላ ወራር ፋይናንሳዊ ወጻኢታታ ክትሽፍን ዘኽእል እዩ፡ ክብል ምውቃሱ ዝፍለጥ እዩ።

ሜልቢ ምስዚ ከም እትሰማማዕ ድሕሪ ምግላጽ “እገዳታት ነቲ ተኣጋዳይ ጥራይ ዘይኮነ ንኣና እውን ይንኣስ እምበር ብኣሉታ ከም ዝጸልዉና እናፈለጥና ኢን ንጽዕኖ፡ እዚ እንተዘይኮይኑ’ሞ እቲ እንደልዮ ውጽኢት ክህበና ዘይሕስብ እዩ” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com