Monday , May 20 2024
Foto: Terje Bendiksby / NTB

ኖርዌይ ኣብ ልዕሊ ተስጐጒቲ ግዱድ ክትባት ክትገብር እያ።

መንግስቲ ኖርዌይ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ሃገሩ ዝሰጐም ሰባት ግዱድ ክትባት ኮሮና ከተኣትታቱ ከም ዝኽእል መንግስቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ብመሰረት ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ምስጓጒን ፍቓድ ምቕያድን ካብ ኖርዌይ ናብ ዓዶም ዝጥረዙ ሰባት ተኸቲቦም እንተኾይኖም ክሕተቱ ወይ ግዱድ ክታበት ኮቪድ-19 ክገብሩ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም።

“ካብ ኖርዌይ ክስጐጒ እተወሰነሉ ወጻእተኛ ኣይክተብን እየ ብምባል ነቲ መስርሕ ክዕንቅፍ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ ዝኸውን” ክትብል ሚኒስተር ፍትሕን ምክዋን ናይ ህጹጽ እዋንን ኤሚል ኤንገር ሜህል ገሊጻ’ላ።

ሓደ ወጻእተኛ በዚ ኣገባብ ኣብት ሃገር ዝጸንሓሉ ግዜ ከናውሕ ምስ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ዘይሰማማዕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብዓይኒ ወጻኢታት እውን ኣኽሳሪ እዩ ክትብል ወሲኻ ሓቢራ’ላ።

መንግስቲ ነዚ ናብ ኣዋጅ ንምስግጋር ብምባል ናይ ሰለስተ ሰሙን ናይ ምኽሪ ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com