Monday , May 20 2024

ኢባ፡ መንግስቲ ንኣረጋውያን ክከላኸለሎም ኣይከኣለን ብምባል ትነቅፍ።

ሚኒስተር ፍትሒ፡ ኣረጋውያን ስቶክሆሎም ሓላፍነት ስልፍኺ እዩ ኩነታት ቫይረስ ኮሮን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ኩነታት ሽወደን ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓላፊት ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ኢባ ቦሽ፡ ንመንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ብትሪ ነቒፋ። ኣብ ሽወደን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምስ ኣተወ፡ መንግስቲ ነቲ ስግኣት ዕሽሽ ብምባል ዘድሊ ምድላዋት ብዘይ ምግባሩ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ሽወደን ኣብ ሓደጋ ኣቃሊዑ ክትብል ሓላፊት ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ኢባ ቦሽ፡ ንመጽሔት ዳጊኒዝ ኔሂተር ሓቢራ። ብዛዕባ ብዝሒ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ኣረጋውያን፡ ኢባ፦ ብዛዕባ እዞም ሰልፊ ሶሻል ዲምክራትና ዝረሰዖም ኣረጋውያን ክሰምዕ እንከለኹ ብጣዕሚ እየ ዝሓዝን።

ሰልፊ ዲሞክራትና ደድሕሪ ስልጣኖም ንኽኸዱ ገለ ክፋል ናይ ሃገርና ረሲዖምን ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ሰባት ውን ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ኣብዚ ከቢድ እዋናት ንበይኖም ኣብ ቃልዕ ገዲፉ ክትብል ገሊጻ። ሽወደን ነዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ድልውቲ ዘይምጽናሓ ሓላፍነት ዝስከም ንመንግስቲ ኣቚሙ ዘሎ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ስለዝኾነ ዋጋ ክኸፍል ይግባእ ክትብል ኢባ ቦሽ ብተወሳኺ ገሊጻ። ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዩሃንሰን፡ ኣብ ትዊተር ከምዚ ክብል ጽሒፉ፦ ኢባ ትዛረበሉ (ትነቕፎ) ዘላ ኣርእስቲ ንዓኣ ዝምልከት እዩ።

ምኽንያቱ፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ኣረጋውያን ሓላፍነት ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና ስለዝኾነ። ምስ ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና ንምዝታይ ድልዋት ኢና፡ እዚ ግን ድሕሪ ሽወደን ነዚ ኩነታት ቫይረስ ምስጋራ ዝካየድ እዩ ክብል ሞርጋን ሓቢሩ። ንሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ርግኣት ኣመልኪታ ቅድሚ ማዕበል ዘሎ ስቕታ ከይከውን ክብል ኣልኮምፒስ ኣብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘውጸኦ ጽሑፉ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com