Monday , May 20 2024

ኣሜሪካ፡ ክታበት ኮቪድ-19፡ ንቆልዑ ኣፍቂዳ

 

ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ምምሕዳር  መግብን መድሃኒትን (FDA)፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዝኸውን ፍርያት ፋይዘር ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዘፍቀደ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል መዚ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፡ ነቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣፍቂድሎም ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንሓድሽ ክሊ ዕድመ፡ ፍቓድ ምምሕልላፉ፡ ኣብቲ ኣንጻር ለበዳ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ክትብል ዳይሬክተር FDA፡ ጃነት ዉድኮክ፡ ገሊጻ።

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ መምርሒ ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እኳ ትጽቢት እንተሎ፡ ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ግንቦት ንኽጅምር ከነቀላጥፎ ክንፍትን ኢና ክብል ሓላፊ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ኤመር ኮክ፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com