Tuesday , May 21 2024
U.S. President Joe Biden (AP Photo/Andrew Harnik, File) XAZ914

ኣሜሪካ፡ ወታሃደራታ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ ክትሰድድ እያ

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ንህላወ ናይ ኔቶ (NATO) ኣብቲ ከባቢ ንምሕያል፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ወታሃደራት ኣሜሪካ፡ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ክትልእኽ ምዃና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 “ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ወታሃደራት፡ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኔቶን ክሰድድ እየ” ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዘለውዋ እኳ እንተኾነት፡ ፔንታጎን ግና ንእሽ ዝበለ ነቲ ዘሎ ዝድግፍ ሓይሊ ናብተን ኣብ ምብራቕ ዝርከባ ኣባል ሃገራት ኔቶ ክሰድድ ሓሳብ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ቅድም ክብል ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ከም ምላሽ ናይቲ ኣብ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ 8,500 ዝኾኑ ኣብ ልዑል ናይ ድልዉነት ደረጃ ዝርከቡ ወታሃደራት ከም ዘዋፈረት ተፈሊጡ’ሎ። እዚኦም ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ነቲ ናይ ኔቶ ናይ ቅልጡፍ መልሲ ዝህብ ሓይሊ (rapid reaction force) ንኸጠናኽር እዮም ዝስደዱ ዘለዉ።

ዩክሬይን፡ ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን፡ ይኹን እምበር እንድሕር ሩስያ ንዩክሬይን ወሪራታ መንግስቲ ዋሺንግቶን እቲ ጎንጺ ናብተን ጎረባብቲ ናይ ኔቶ ሃገራት ክልሑኽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ዝፍለጥ’ዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓላፊ ምክልኻል ዝኾነ ሎይድ ኦስቲን ብዓርቢ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ ንወተሃደራታ ናብቲ ምስ ዩክሬይን ዘዳቡባ ቦታታት ምጽጋዓ መራሒ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ንዩክሬይን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምውራር ሓዊሱ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕድላት ናይ ወታሃደራዊ ኣኽእሎታት ንምትግባር ኣብ ዘኽእሎ ደረጃ ከምዝበጽሐ ስግኣቱ ገሊጹ’ሎ።

ፕረዘደንት ፑቲን፡ ሓይልታቱ ኣብ ዩክሬይን ከሳትፎም ድዩ ኣይከሳትፎምን ብዝምልከት ኣብ ቁርጺ ዝኾነ ወሳኔ በጺሑ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። “እቲ ዘድልይ ናይ ሰብ ሓይሊ ይኹን ኣጽዋር ከም ዘለዎ ግና ንፈልጥ ኢና” ክብል ኦስቲን ገሊጹ።

ሩስያ ብወገና፡ ዝኾነ ይኹን ንዩክሬይን ናይ ምውራር ውጥናት ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ፡ ይኩን እምበር ልዕሊ 100,000 ዝኾኑ ወታሃደራታ ኣብቲ ዶባት ከም ዘዋፈረት ዝፍለጥ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com