Monday , May 20 2024

ኣሜሪካ፡ 90% ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከብ “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ተትርፋ

 ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዳርጋ ኩሉ ብርክታት ናይቲ ንለበዳ ኮሮና ከም ዝከላኸል ዝእመነሉ መድሃኒት “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ከም ዘትረፈታ ይንገር ኣሎ።

እዚ መድሃኒት ዋጋኡ ክሳብ 2340 ዶላር ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ ይግለጽ።

እዚ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ዝሸይጥ ትካል “ጊልዓድ” ኣብ 2014 ኢቦላ ንምፍዋስ ተባሂሉ ብኤጀንሲ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዝተማህዘ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሕብረት ኣውሮጳ ከም መድሃኒት ናይ ኮሮና ኮይኑ ንኸገልግል ፍቓድ ዝረኸበ ፈውሲ እዩ።

እዚ ብክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ሰብመዚ ጥዕና ኣውሮጳ ክሳብ ዓመት ዝኣክል ግዜ ቀረብ እዚ መድሃኒት ኣይክረኽቡን እዮም። መርበብ ዩሮኒውዝ ን ኤጀንሲ መድሃኒት ኣውሮጳ ረኺቡ ብዛዕባዚ ዘለዎ ርእይቶ ከካፍሎ ሓቲትዎ ኔሩ። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ሰብመዚ ኣመሪካ ክሳብ መስከረም ዝጸንሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ዶዝ ምግዝኦምን እዚ ድማ ናይ ወርሒ ሓምለ 100%  ማለት 94200 ዶዛት፡ 90% ናይ ወርሒ ነሓሰ ማለት 174900 ዶዝን ናይ ወርሒ መስከረም ድማ 234800 ዶዝ ከም ዘጠቓልል ድማ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

መድሃኒት “ረመዲስቪር” ሕሙማት ካብ ቫይረስ ኮሮና ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ዝሕግዝ  መድሃኒት ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ካብቲ መርመራ እተረኽቡ ኣፈናዊ ውጽኢታት ከም ዘመልክትዎ እዚ መድሃኒት ናይ ምሕዋይ ግዜ ብምቕልጡፍ ኣብ ውሽጢ 11-15 መዓልታት ከም ዝሰርሕ ተፈሊጡ።

“ነፍሲ ወከፍ ግዳይ ሕማም ኮቪድ-19 ዝኾነ ኣመሪካዊ ካብዚ ሓድሽ መድሃኒት ተቛዳሳይ ከም ዝኸውን ከነውሕስ ንደሊ ኢና” ክብል ሚኒስተር ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኣሜሪካ፡ ኣለክስ ኣዛር፡ ድሕሪ ምግላጽ “ምምሕዳር ትራምፕ ህይወት ብኮሮና እተታሕዙ ሰባት ንምድሓንን ኩሎም ኣመሪካውያን ቀረብ እዚ መድሃኒት ንኽረኽቡን ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ብዘስዓቦ ሞትን በዚ ለበዳ ኣመና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ሓንቲ እያ። ዛጊት ክሳብ 2727996 ሰባት ሓሚሞም 130123 ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።

ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ንምንካይ ብዝብል ዕላማ ሰብመዚ ኣመሪካ እንተላይ ምምሕዳራት ኣሪዞና፡ ካሊፎርኒያ፡ ፍሎሪዳን ቴክሳስን ኣብ ቤትካ ምውዓል ሕጊ ምትእትታወን ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ ክኢላ ኢምዩኖሎጂን ተላባዒ ሕማማትን፡ ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ኣመሪካውያን ብ ሰብመዚ ጥዕና ዝወጽእ መምርሒታት ብግቡእ እንተዘይስዒቦሞ ገና 100000 ሰባት ግዳያት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ።

ካልእ ተፈቲኑ ተቐባልነት ዝረኸበ ፈውሲ እቲ “ኣንታይፍላናቶሪ ደክሳሜቶሲን” ዝበሃል ናብ ዓሌት “ስተሮይድ” ዝቐረበ መድሃኒት እዩ። እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተገብረ መጽናዕቲ እተረኽበ ፈውሲ ሞት ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምንካይ ጽቡቕ ተራ ይጻወት ምህላዉ ተፈሊጡ።

“ረመዲሲቪር” ድሕሪ ደክሳመታሶን ዝመጽእ መድሃኒት ኮይኑ ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምፍዋስ ጽቡቕ ስሉጥነት ምርኣዩ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com