Monday , May 20 2024

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ንክውሸቡ፡ ሽወደን፡ ሓቢራ

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።

ኣባላት ስድራቤት ሕሙም፡ ዘይተፈልጡ ተሰከምቲ ቫይረስ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክሳብ ሓደ ሰሙን ዝኣክል ግዜ፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ ኣንድሽ ቴግኒል ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ።

ኣባላት ስድራቤት’ቲ ሕሙም፡ እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ከይተረፉ፡ ኣብ መበል 5ይ መዓልቲ ናይ ውሸባ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ከምዝግባእ ቴግኒል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቶም እዚ መስርሕ ዝምልከቶም ሰባት፡ ካብ ሰብ መዚ ጥዕና ንኣገባብ ኣተገባብራ ናይ’ዚ መስርሕ ብዝምልከት፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ክዋሃቦም ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ መስርሕ ውሸባ ዘይምልከቶም ኣባላት ስድራቤት ሕሙም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ተማሃሮ ግዴታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዱ ክመሃሩ ዝኽእሉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ መርመራ ኮሮና ቫይርስን ጸረ ነፍሳትን ኣካይዶም ኣወንታዊ ውጽኢት ዝረኽቡን ዘጠቓልል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com