Tuesday , May 21 2024
The Kurdish self-government camp Roj for suspected IS members in northeastern Syria (AP Photo/Maya Alleruzzo)

ኣባላት ኣይሲስ (ISIS) ተባሂለን ዝተጠርጠራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ፡ ተለቒቐን

ምስ ጉጅለ እስላማዊ-መንግስታዊ (ISIS) ርክብ ኣለወን ተባሂለን ብገበናት ናይ ኲናት ተጠርጢረን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን ዝጸንሓ ክልተ ደቀ ኣንስትዮ፡ ብናጻ ከምዝተሰናበታ Sveriges Radio ኣፍሊጡ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓሙስ እየን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣትዋ ኮይነን። ካብ መንግስትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝተዋጽኡ ሰራሕተኛታት ብሓባር ብምዃን ነዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምስራቕ ሶሪያ ዝርከብ ናይ ኩርዳውያን ባዕሎም ንባዕሎም ዝማሓደሩሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ናብ ሽወደን ከምዘምጽእወን ተፈሊጡ’ሎ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተወሳኺ’ውን 4 ቆልዑት ሒዘን ከምዝነበራን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዞም ቆልዑት ኣብ ትሕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎን ተፈሊጡ’ሎ።

ሬድዮ ሽወደን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዘን ደቀ ኣንስትዮ ዝባሃል ዘሎ ክሲታት ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com