Monday , May 20 2024

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ሳምንታት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ ሆስፒታላት ሽወደን፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት፡ እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ካብ 12 ናብ 24 ክብ ምባሉ ተፈሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበርሎም ዝነበሩ 558 ሰባት፡ ኣብ ዕለት 11/09/2020 እቲ ቁጽሪ ናብ 12 ምጉዳሉ ይዝከር። እንተኾነ ካብዚ ዕለት ጀሚሩ፡ እቲ ቁጽሪ ቀስ እናበለ ብምውሳኹ ኣብ ዕለት 01/10/2020 እቲ ቁጽሪ ናብ 24 ወሲኹ ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሳምንታት ዝተራእየ ወሰኽ ቁጽሪ፡ ውሑድ ብምዃኑ፡ ኣንፈት ናይቲ ኩነታት ንምግምጋም ዝኣክል ኣይኮነን ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ሽማግለ፡ ሓለዋ ህዝባዊ ጥዕና፡ ቶማስ ሊንዲን፡ ገሊጹ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ነዚ ናይ ወሰኽ ምልክት፡ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com