Tuesday , May 21 2024
(Peter Byrne/PA via AP) WRC813

ኣብዚ ሳመር ኣብ ሆስፒታላት ሽግራት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ተራእዩ።

ምስ ዝሓለፈ ሳመር ብምውድዳር፡ ኣብዛ ሳመር ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝርከቡ ዝበዝሑ ዓራውቲ ብተሓከምቲ ስለ እተታሕዙ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ከም እተራእየ፡ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣመልኪታ።

ቅድሚ ሳመር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ዓቕሚ ሰብ ጒዳይ ምፍታሕ ኣሸጋሪ ስለ ዝኸውን ዝበዝሓ ዞባታት ነቶም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ዝወዘፉ ሓካይም ተወሳኺ ካሕሳ ክህባ ምውሳነን ገሊጸን ኣለዋ።

ሒደት ሓካይም ጥራይ ዕረፍቲ ሳመር ይወስዱ ምህላዎም ንመስርሕ ክንክን ጥዕና ሓጋዚ ኮይኑ ምህላዉ፡ ኣብ ዞባ ቫስተርኖርላንድ ዋና ዳይረክተር ክንክን ጥዕና ሸል ኖርማን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com