Tuesday , May 21 2024

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዝርከቡ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ቀልጢፎም ይጽንበሩ

ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብቶም ኣብ ዓመተ 2015 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ሸወደን፡ ስራሕ ከም ዝረኸቡ ኣመልኪቶም።

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ተባሂለን ዝምደባ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦምን ብፍላይ ድማ ኣብ ከም በዓል ሆቴላትን ቤት ምግብታትን ዝኣመሰላ ጽላታት፡ ዝያዳ ስራሕ ምርካቦም ድማ ተገሊጹ። 42 ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል ምዃኖምን፡ ሓንቲ ካብዘን ነዚ ዕድላት ዝፈጠረት ድማ፡ ሓውሲ ከተማ ሌክሳንድ (Leksand) ምዃና ተሓቢሩ።

ሰፊሕ ናይ ቢዝነስ ኮምዩኒቲ ስለዘለና፡ ናብ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ድማ ቀሊል እዩ ክብል ዳይረክተር እታ ሓውሲ ከተማ፡ ጆራን ዌገርት፡ ኣመልኪቱ። ሌክሳንድ ክፉት ማሕበራዊ ሃዋሁ ዘለዋ ስለዝኾነት፡ ሰባት ክለማመድዋን ስራሕ ክረኽቡላ ዝኽእሉ ቦታ እያ ድማ ኢሉ።

ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከባ ምምሕዳራት፡ ዘሎ ኩነታት፡ ጽንኩር እዩ። ኣብ ዓመተ 2015 ናብዘን ከባቢታት ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ስራሕ ዝረኸቡ ሰባት፡ 27% ጥራይ ነይሩ ክብል እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሓንቲ ካብዘን ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከባ 52 ምምሕዳር ከተማታት፡ ሌሰቦ (Lessebo)፡ እታ ዝለዓለ መጠን  ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን፡ ዘለዋ ኮይና፡ ናብዛ ምምሕዳር ከተማ ዝመጹ ስደተኛታት፡ በዳሂ ኩነታት ከም ዘጋጥሞም ከንቲባ እታ ከተማ፡ ላርች ኣልትጎርድ (Larch Altgord)፡ ገሊጹ።

ካብ ትነብረሉ ምምሕዳር ወጻኢ፡ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ፡ ዝበለ ኣልትጎርድ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ምምሕዳርና ውሑዳት ኩባንያትታ ስለዘለዋና እዩ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ምምሕዳር ሰተር (Säter)፡ ንሓደስቲ መጻእተኛታት ዕዳጋ ሽቕለት ኣብ ምቕራብ ተሸጊራ ምህላዋ ተፈሊጡ።

ካብቲ ጎሊሑ ዝረአ ኣጋጣሚታት፡ ቆልዑ ናይቶም ዘይሰርሑ ወለዲ፡ ምስ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንኽወሃሃዱ፡ ዓቢ ሽግር የጓንፎም ምህልዉ እዩ ክትብል ኣን ማሪ ሙሎን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com