Monday , May 20 2024

ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ከይእከቡ፡ ኦስሎ፡ ተጠንቅቕ

ካብ ሎሚ፡ ዕለት 22/09/2020፡ ሰዓት 12 ፍርቂ መዓልቲ  ጀሚሩ፡ ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ክይእከቡ፡ በዓል መዚ ኖርወይ ከምዝኸልከሉ ሓቢሮም። እዚ መምርሒ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ።

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ድማ ማስክ ምኽዳን ግዴታ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ኦስሎ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ንምቁጽጻሩ ዝከኣለና ክንገብር ይግበኣና ክብል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ከተማ ኦስሎ፡ ረይሞንድ ዮሃንሰን ገሊጹ።

በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ ንኹለን ከባቢታት ከተማ ኦስሎ፡ ኣብ ዝርዝር፡ ቀይሕ ዞን፡ ከምዘእተወን ይዝከር። ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት፡ ኣብ ከባቢ ናይ ቀደም ኦስሎ፡ ኣስታት 100 ካብ 100 ሽሕ ሰባት ከምተለኽፉ ዝሓበሩ ሰብ መዚ፡ ኣብተን ካልኦት ከባቢታት ድማ ልዕሊ 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት ከም ተለኽፉ ሓቢሮም።

ከተማ ኦስሎ፡ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ብመልከፍቲ ኮሮና ዝተጠቕዓ ከተማታት ንኸይትኸውን በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ የጠንቅቕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com