Monday , May 20 2024

ኣብ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ቀንዲ ኣሻቓሊ ኮይኑ።

ቲግኒል፡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እቲ ቀንዲ ሻቕሎትና እዩ ቀንዲ ምውሳኽ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት፡ እቲ ቫይረስ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምልብዑን እዚ ድማ እቲ ቀንዲ መሻቐሊ ኣርእስቲ ምዃኑን ተመራማሪ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ምስቶም ኣብ ኖርዲክ ሃገራት (ሰሜን ኤውሮፓ) ዝርከቡ መዛኖይ ኣብ ዝዘተናሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሽግር ከምዘየጓነፎም ሓቢሮምኒ ክብል ቲግኒል ሎሚ ኣብ ዘካየዱ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣገጋውያን ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል፡ ናውቲ መከላኸሊ ምድላው እቲ ቀንዲ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ናውቲ መከላኸሊ ነዚ ሽግር መፍትሒ ኣይኮኑን ብፍላይ ድማ ንኣርጋውያን። ሕማም ኮቪድ -19 ንምቁጽጻር፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምልክታት ሕማም ኣብ ዝተራእየሉ ካብ ገዝኡ ከወጽእ ኣይግባእን። ለበዳ ቫይረስ ንምቁጽጻር ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተን መሰረታውያን ናይ ጽሬት ኣገባባት ክኽተል ይግባእ ክብል ቲግኒል ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ። ለበዳ ቫይረስ ንምቅላል (ንምውሓድ) ቀጻሊ ጻዕርታት ይካየዱ ኣለዉ።

ሕማማት ኢንፍሉዌንዛን ክረምታዊ ሕማማትን ምውሓዶም መርኣያ ጽለዋ ናይቶም ዝተወስዱ ቅድመ ኩነታትን ምድላዋትን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ውን ጽልዋ ኣለዎም ክብል ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ነጻ ቦታታት ከምዘሎን ክሳብ 20% ብዝሒ ናይቶም ብሓደገኛ ሕማማት ዝተለኽፉ ሰባት ክንሕዝ ንኽእል ክትብል ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ኣገልግሎት ሓላፊት ጨንፈር ቅልውላዋት (ሓደገኛ እዋናት) ዝኾነት ዮሃና ሳንድዋል ኣብ ጋዜጣዊ መግሊጺኣ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com