Monday , May 20 2024

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ 5 ሽሕ ሓሰማ ተቐቲሎም

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ደቡብ ሽወደን፡ ዝርከባ ሕርሻታት እንስሳ ብሰንኪ ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሓሰማ ክቐትላ ከም ተገደዳ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እተን ሓሰማ ቅድሚ ምሕራደን ብዝተገብረለን መርመራ፡ ብሳልሞኒላ ከምተለኽፋ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣብ ልዕል ፍርያት እንስሳ ዘለወን ሕርሻታት ናይቲ ምምሕዳር ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ኤውሮፓ ዝርከባ ሓሰማ፡ ብለበዳ ሳልሞኒላ ብቐሊሉ ከምዝልከፋ ዝፍለጥ እኳ እተኾና፡ ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሕርሻታት ምምሕዳር ስኮና ከም ዝመጸ ግን ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ሳልሞኒላ፡ ሓደ ዓይነት ባክተሪያ ኮይኑ ካብ እንስሳ ናብ እንስሳ ዝመሓላለፍን ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ሰብ ዝሰጋገር ዓይነት ባክተርያ እዩ። ንስርዓተ ምሕቃቕን መዓናጡን ወዲ ሰብ ድማ የጥቅዕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com