Monday , May 20 2024
Foto Jonas Ekströmer / TT kod 10030

ኣብ ሽወደን ናህሪ ቁጽሪ ምዉታት ኮቪድ – 19 ብተዛማዲ ይጎድል ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘሎዉ ሰባት ብተዛማዲ ይጎድል ምህላዉን ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣ ብመሰረት እቲ መግለጺ ካብ ትማሊ ሰንበት ስጋብ ሕጂ ጥራይ ኣብ ህጹጽ መዉሃቢ ረድኤት ካብ ዝጸንሑ ሰባት 20 ሰባት ሞይቶም ከምዘሎዉን ብጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታን ናብ 919 ክብ ከምዚበለ ተሓቢሩ፣ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ኣሃዝ ብልዕሊ ፍርቂ ከምዝጎደለ የመልክት። ዛጊት ኣብ ሽወደን ካብ ትማሊ ኣትሒዙ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 500 ሰባት ከምዝተመዝገበን፣ ብሃገር ደረጃ ቁጽሪ ተሸኸምቲ ኮቪድ -19፣ 11 000 በጺሑ ከምዘሎን ተሓቢሩ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ትካላት ሕክምና ሽወደን ንመዉሃቢ ህጹጹ ረድኤት ካብ ዝነበሮ ናብ 1039 ቦታታት ክብ ከምዝበለ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፣ ንጸረ ባልዕ ዘገልግል ናይ ኢድ ንጽህና ኣልኮል ( handsprit )፣ብዝበዝሐ ዓቐን ከምዝተረከበን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ዞባታት ብምዝርጋሕ ንዝነበረ ሕጽረት ክሽፈን ከምመደበ ኣብናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣነጺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com