Monday , May 20 2024

ኣብ ሽወደን ናውቲ ሕክምና ምውሳኽ ዋጋ ምርኣዩ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ዳገን ንሄተር DN ከም ዝጸብጸበቶ እንተኾይኑ ዋጋ ናውቲ ጽሬትን ሕክምናን ብናህሪ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። እዞም ናውቲ ማስክ፥ መነጽር፥ ከምኡ’ውን ናይ ኢድ ጸረ ተሃዋስያን እዮም። ብመሰረት እታ ጋዜጣ ብናህሪ ጠለብ እዚ ዋጋ 900% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።

ሃገራዊ ማእከል ዕቀባ ኣብቲ ምውሳኽ ዋጋ ዘለዎ ምስምማዑ ምግላጹን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ። ኣብ ፍርያት ርኡይ ሕጽረት ምህላዉ ድማ ኣመልኪታ።፡ ብዘይካዚ ዋጋ ትራንስፖርት ኣጸቢቑ ወሰኽ ምርኣዩን እዚ ድማ ኣብ ምውሳኽ ዋጋ እዞም ናውቲ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ ተባሂሊ ከም ዝሕሰብን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com