Monday , May 20 2024

ኣብ ሽወደን ኣብ መንጐ ሃብታማትን ድኻታትን ዝጸንሐ ጋግ ይሰፍሕ!!

ድሕሪ ምጅማር እዚ ሓድሽ ሚለንየም ሽወደናውያን ኣብ ታሪኾም ዝበዝሐ ኣታዊ ከምጽኡ ምኽኣሎምን እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጋግ ድኻታትን ሃብታማትን ግና እናሰፍሐ ምምጽኡ ይንገር ኣሎ።

ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ዘሎ ጋግ ካብ 290 ምምሕዳራት ከተማ ኣብ 275 ምውሳኹ በዓልመዚ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ብምጥቃስ ተለቪዥን ሽውደን ሓቢራ። ብመሰረት ሎሚ ዝወጸ ኣሃዛት ኣብ ማሎን ቬስተርባተንን ዝነበሩ ሰባት ካብቶም ኣብ ስቶክሆልምን ዳንደሪድን ዝነብሩ ዝወሓደ ኣታዊ ኣለዎም ተባሂሉ’ሎ።

ኣባል ሶሻል ዲሞክራት ኣንደሽ ተሊባክ ካብ ቬስትሮስ ኣብዝሃቦ ሓቤረታ ጸገም ምስፋሕ ጋግ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማት ምውሳኽ ኣታውታት ሃብታማት ሙኻኑ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com