Tuesday , May 21 2024
Security check in Burkina Faso. (AP Photo/Sam Mednick) NAI502

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ 60 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ወርሒ ጥሪ፡ ክሳብ 60 ዝኾኑ “ግብረ ሽበራውያን” ከም ዝተቐትሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ሰራዊት ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት “እቶም ግብረ ሽበራውያን፡ ብሓይልታት ቡርኪና ፋሶን ግዳማውያን ሓይልታትን፡ ዘለውዎ ቦታ ምስ ተፈልጠ፣ እቲ ቦታ ተፈልዩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ተገይሩ’ዩ። ኣስታት 60 ዝኾኑ ካብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ተደምሲሶም ኣለው” ክብል ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ቡርኪና ፋሶ ብሰንኪ እዞም ግብረ ሽብራውያን፡ ብተደጋጋሚ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲታት ከም ዘጋጠማ ዝፍለጥ’ዩ። ብሰንኪ እዞም መጥቃዕቲታት ድማ እንተዋሓደ 2000 ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ክፋላት ናይታ ሃገር ዝርከቡ 1.4 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብረኦም ክፋናቐሉ ከም ዝተገደዱ ዝፍለጥ’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com