Tuesday , May 21 2024

ኣብ ቱርክ መጥባሕቲ ፕላስቲክ እናገበረት ህይወታ ዝሓለፈት ሃና መዘራረቢት ትኸውን ኣላ።

ኣብ ቱርኪ መብጣሕቲ ፕላስቲክ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታ ዝሞተት ሽወድናዊት ኣና ቫለንቲን መዘራረቢት ኣርእስቲ ኮይና ምህላዋ ሬድዮ ሽውደን ገሊጻ። ስድራቤት መዋቲት፡ ብዛዕባ ምኽንያት ሞት ኣና ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፡ እቶም ቱርካውያን ክኢላኣት መርመራ መድሃኒት ኣና ብሰንኪ ምትሕልላኽ ሕማም ሳንቡእ ምሟታ እኳ እንተገለጹ፡ ክኢላታት ሽወደን ነዚ ዝጻረር ግብረመልሲ ምሃቦም እታ ሬድዮ ሓቢራ።

“ኣና ሕማም ሳንቡእ ኔርዋ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግና ጠንቂ መሞቲኣ እዚ ኣይኮነን” ክትብል ኣብ ቦርድ መርመራ መድሃኒት ሽወደን ተመራማሪት ዝኾነት ብሪታ ዚሊግ ገሊጻ’ላ።

ምኽንያት ሞት ኣና ዛጊት ብሩህ ኣይኮነን ብመሰረት መግለጺ ዶ/ር ብሪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com