Tuesday , May 21 2024
Karin Wesslén / TT / kod 11940

ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዝልዓለ ሞት ዝተመዝገበትላ ወርሒ ሚያዝያ ትኸውን።

ሽወደናዊ ስታቲካዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ ኣስታት 10458 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ቁጽሪ ድማ ሓድሽ መሊንዮም ካብ ዝኣቱ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ከምዝበጽሐ ተዓዘብቲ ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 11057 ሰባት ዝሞትሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 1993 ምንባሩን ብድምር ኣብቲ ዓመት ክሳብ 97008 ሰባት ሞይቶም ከምዝነበሩ ይዝከር ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ተማራማሪ ዝኾነ ቶማስ ዮሃንሰን ይገልጽ።

ምስቲ ኣብ ዓመተ 1918 ብሰንኪ ሕማም ለበዳ ኢንፍሉወንዛ ስጳኛ ዝሞቱ ሰባት ክወዳደር እንከሎ ድማ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ይሕበር። ብመጠን ቁጽሪ ነበርቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ወርሒ ጥሪ 2000 ዝለዓለ መጠን ሞት ኣመዝጊባ ከምዝነበረት ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ካብ 100 ሽሕ ነበርቲ ኣስታት 110.8 ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ድማ ካብ 100 ሽሕ ነበርቲ 101.1 ሞይቶም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com