Monday , May 20 2024

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ስቶክሆሎም ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ልዕሊ 80% ጥዕነኦም ተመሓይሹ።

ኣብ ስቶክሆሎም ካብ ዝርከቡ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ሰባት እቶም 80% ካብኣቶም ብሂወት ከምዘለዉን ኩነታቶም ከምዝተመሓየሸን ተሓቢሩ። ናይቶም ሕሙማት ኩነታት ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከም ዝተመሓየሸ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮኒሊስካ ሓላፊ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል፡ ዴቪድ ኮንራድ፡ ሓቢሩ። ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ስቶክሆሎም ንዘጋጥሞ ዘሎ ዋሕዚ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ብውሕሉል ኣገባብ የካይዶ ከምዘሎ ደቪድ ምስ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 177 ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ኣለዋ፡ ኣድላይ እንተ ኮይኑ፡ ሆስፒታላት ነቲ ዘሎ ቁጽሪ ናብ 216 ኣሃዱታት ክብ ከብለኦ ተኽእሎታት ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት እኹል ዝኾነ ነጻ ዓራውቲ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክሳብ 300% ነጻ ዓራውቲ ኣሎ። ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ መዓልታዊ ካብ 6 ክሳብ 12 ዝኾኑ ሓደስቲ ሕሙማት ናብቲ ኣሃዱ ይኣትዉ። ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ኣሃዱ 127 ሕሙማት ኣለዎ። ካብ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝወጹ ቁጽሪ ሕሙማት ውሑዳት’ኳ እንተኾኑ፡ ዝርጋሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ግን እናወሓደ ይመጽእ ኣሎ። ለበዳ ቫይረስ ይውሕድ ኣሎ ኢልና ወግዓዊ ክንዛረበሉ እንኽእል ደረጃ ግን ኣይበጻሕናን። እት ኩነታት ግን ይመሓየሽ ኣሎ ክንብል ንኽእል።

መጽናዕታት ከምዝሕብርዎ፡ ካብቶም ቀዳሞት ናብ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኣተዉ ሕሙማት እቶም 80% ጌና ብሂወት ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እቲ ኩነታት ተስፋ ዝህብልን ዘሐጉስን እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ኩነታት ከጋጥመና ይኽእል ኔሩ እዩ። ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝተመሓየሸ ኩነታት ተቐዳዲምና መደምደምታ ክንገብረሉ ኣይንኽእልን ኢና ክብል ኮንራድ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com