Monday , May 20 2024

ኣብ ነይሾፒን ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ . . . . . ፖሊስ ንሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ነይሾፒን ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ TT ሓቢሩ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተፈጸመ ገበናዊ ንጥፈት ሓደ መንእሰይ ግዳይ ከምዝኾነን ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ድማ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ምጽራይ ከምዝተጀመረን ኣባል ፖሊስ ነይሾፒን ዝኾነ ዮሃን ሊቪን ሓቢሩ።

ንመንነት፡ ጾታ ይኹን ዕድመ ናይቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ዝምልከት ግን ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ብወገን ፖሊስ ዝተዋህበ ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ጥርጡራት መንእሰያት ምዃኖም ግን ሊቪን ሃቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com