Monday , May 20 2024

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምሽዳድ እናበዝሐ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምሽዳድ ተመሃሮ ምብዝሑን በዚ ስነኣእምሮኦም ዝሳቐዩ ድማ ቊጽሮም እናበዝሐ ከም ዝመጸ ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብመሰረት እዞም ሓደስቲ ኣሃዛት ዕድሚኦም ካብ 11-15 ኣብ ዘለዉ ተመሃሮ ክልቲኡ ጾታታት እዩ እዚ ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ። ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2013/4 12.6 ሚእታዊት ካብ ተመሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ግዳያት ምሽዳድ ምዃኖም ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ናይ ዓሚ ጸብጻብ እዚ ተርእዮ ናብ 19 ሚእታዊት ክብ ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 15 ዝርከባ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ብስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይሳቐያ ኣለዋ ይብል እቲ ጸብጻብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com