Monday , May 20 2024

ኣብ ኤውሮፓ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ

ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ምዝጉብ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ ምብጽሑን ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 2.7 ሚልዮን ምብጽሑ ጋዜጣ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 516 ሽሕ በጺሑ ኣሎ። ካብዚኣቶም እቶም 40% ኣብ ኤውሮፓ ዝሞቱ እዮም። ስለዚ፡ ኤውሮፓ፡ እታ ቀንዲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዐት (ዝተሃስየት) ክፍሊ ዓለም ኮይና ኣላ።

ክልተ ሲሶ ናይቶም ኣብ ኤውሮፓ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ፈረንሳይን እስፓኛን ዝርከቡ ዝነበሩ እዮም። ዓዲ እንግሊዝ 44 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮና ስለዝሞትዋ እታ ቀንዲ ዝተሃስየት ኤውሮፓዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ናብ 5344 ክብ ከምዝበለ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com